Discover millions of ebooks, audiobooks, and so much more with a free trial

Only $11.99/month after trial. Cancel anytime.

ቡድህና
ቡድህና
ቡድህና
Ebook78 pages41 minutes

ቡድህና

Rating: 0 out of 5 stars

()

Read preview

About this ebook

This is a Tigrigna translation of the book "Good Question Good Answer". It contains the answer to most basic question people ask about Buddhism. There are ten chapters which discuss various aspects of the religion or "path". Are Buddhists atheists? Do they worship the Buddha? Do they believe in life after death? Do they have the concept of sin? Do they think their religion is the only truth? The answers to these and many other question will be found inside this little book.

LanguageTigrinya
PublisherSidona Omer
Release dateSep 11, 2018
ISBN9780463160411
ቡድህና
Author

Sidona Omer

Sidona was born and raised in Eritrea, Horn of Africa. She writes Psychology, Philosophy and Theology based essays mostly in Tigrigna, her mother tongue. Sidona writes in a free verse, following a stream-of-consciousness style. She is deemed controversial by some and she believes she can be brutally honest about her views. This form of writing in a less known language has made helped her gain some fans and some fierce opponents. She is a proud Eritrean and envisions the revival of Tigrigna as a language in the near future.

Read more from Sidona Omer

Related to ቡድህና

Related categories

Reviews for ቡድህና

Rating: 0 out of 5 stars
0 ratings

0 ratings0 reviews

What did you think?

Tap to rate

Review must be at least 10 words

    Book preview

    ቡድህና - Sidona Omer

    ሕቶ፥ ቡድህና እንታይ ማለት’ዩ፧

    መልሲ፥ ቡድህና ዝብል ስም ካብ ቡድሂ ዝብል ቃል ዝመጸ ኮይኑ ቡድሂ ማለት ድማ ምንቓሕ ማለት’ዩ፡ ስለዚ ቡድህና ማለት ፍልስፍና ናይ ምንቃሕ ኢልና ክንትርጉሞ ንኽእል። እዚ ፍልስፍና’ዚ ካብ ተመኩሮ ናይ ሓደ ሲድሃርታ ጎታማ ዝበሃል ሰብኣይ ዝመጸ ኮይኑ፡ ጐታማ ብካልእ ስማት ማለት እቲ ንቁሕ The Awakened One ወይ the Buddha ብዝብል ስም ይፍለጥ። ጐታማ ኣብ መበል 35 ዓመት ዕድሚኡ እዩ ነቂሑ። ቡድህና ድማ ናይ ኣስታት 2500 ዓመታት ታሪኽ ዘለዎን፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 400-500 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለውዎን ሃይማኖት’ዩ። ድሕሪ ክርስትና ምልስልምና ሂንድዩይዝምን እቲ ራብዓይ ብዝሒ ሰዓብቲ ዘለዎ ሃይማኖት እዩ። ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋናት እቶም ቀንዲ ተኸተልቲ እምነት ቡድህና ኣብ እስያ ነበሩ፡ ሎሚ ግን ኣብ ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ብብዝሒ ተኸተልቲ እናጥረየ ይኸይድ ኣሎ።

    ሕቶ፥ እሞ ቡድህና ሓደ ዓይነት ፍልስፍና’ዩ፧

    መልሲ፥ ፍልስፍና ትብል ቃል ካብ ፊሎ ማለት ፍቅሪ ከምኡ ድማ ሶፍያ ማለት ልቦና እያ መጺኣ። ስለዚ ፍልስፍና ማለት ፍቅሪ ልቦና ወይ ድማ ፍቅርን ልቦናን ማለት’ዩ፡ እዘን ክልተ ኣገላልጻታት ፍልስፍና ድማ ንቡድህና ክውክልኦ ይኽእላ’የን። ቡድህና መታን ምሉእ ርድኢት ዓለም ከነጥሪ ኣእምሮኣዊ ክእለታትና ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ከነማዕብሎም እዩ ዝምህረና። ከምኡ ድማ መታን ንኹሎም ፍጡራት መሓዙቶም ክንከውን ፍቕርን ርህራሀን ይምህረና። ስለዚ ቡድህና ፍልፍና’ዩ ግን ከም ዝኾነ ዓይነት ፍልስፍና ኣይኮነን። እቲ ዝለዓለ ፍልስፍና’ዩ ክበሃል ይኽእል።

    ሕቶ፥ ቡድሃ መን’ዩ ኔሩ፧

    መልሲ፥ ኣብ 563 ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ኣብ ሰሜን ህንዲ ሓደ ህጻን ናብ ሓንቲ ንጉሳዊት ቤተሰብ ተወልደ። ኣብ ምቾትን ሃብትን ዓበየ፡ እንተኾነ ዓለማዊ ምቾትን ውሕስነት ናብራን ሓጐስ ከምዘየምጽኡ ተረድአ። ኣብ ከባቢኡ ስቓይ ደቅ ሰብ ምስ ተዓዘበ መፍትሕ ሓጐስ ወድሰብ ክረክብ ኣንቀደ። ኣብ መበል 29 ዓመቱ ንሰበይቱን ወዱን ገዲፉ፡ ናብ እግሪ’ቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ ዓበይቲ መማህራን ከይዱ ክመሃር ጀመረ። እቶም መማህራን ብዙሕ መሃርዎ እንትኾነ ግና ዘይዕግበት ወድሰብ ካበይ ከም ዝመጽእን ብኸመይ ከም ዝፍታሕን ዝኾነ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን። ድሕሪ 6 ዓመታት መጽናዕቲ፡ ጻዕርን ኣስተንትኖን፡ ኩሉ ድንቁርናኡ ዘግ ኢሉ ክወድቕ ከሎ ብቀጥታ ተመኮረ፡ ሽዑ ርድኢት ረኸበ። ካብታ መዓልቲ ንንየው ድማ እቲ ቡድሃ፡ እቲ ዝነቕሐ ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀመረ። ድሕር’ዚ ንኣስታት 45 ዓመታት ብህይወት ጸንሐ፡ ኣብዚ እዋናት’ዚ ድማ ነቲ ዝረኸቦ እናመሃረ ኣብ ሰሜን ህንዲ ዞረ። ርህራሄኡን ዓቕሉን ኣዝዩ ግኑን ነበረ፡ ኣሽሓት ሰዓብቲ ድማ ኣጥረየ። ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሜኡ ኣሪጉን ሓሚሙን ግና ምስ ማዕርጉን ሰላሙን ዓረፈ።

    ሕቶ፥ ሰበይቱን ወዱን ራሕሪሑ ክኸይድ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር’ዶ ኣይኮነን ኔሩ፧

    መልሲ፥ ቡድሃ ስድራቤቱ ክገድፍ ዝወሰዶ ውሳኔ ቀሊል ከምዘይነበረ መቸም ፍሉጥ’ዩ። ቅድሚ ምኻዱ ንነዊሕ እዋን ተጨኒቁን፡ ተወላዊሉን ክኸውን ኣለዎ። ግና ምርጫ ኔርዎ፡ ነብሱ ንስድራቤቱ ድዩ ክውፍያ ወይስ ንዓለም ምሉእ። ኣብ መወዳእታ ካብቲ ርህራሄኡ ተበጊሱ ነብሱ ንዓለም ምሉእ ወፈያ፡ ዓለም ድማ ሳላ’ቲ ዝገበሮ መስዋእቲ ክሳብ ሕጂ መኽሰብ ትረክብ ኣላ። ስለዚ እቲ ዝገበሮ ዘይሓላፍነታዊ ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ዝዓበየ ትርጉም ዘለዎ መስዋእቲ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

    ሕቶ፥ ቡድሃ እንተድኣ ሞይቱ ከመይ ጌሩ ሕጂ ክሕግዘና ይኽእል፧

    መልሲ፥ ንኤለክትሪሲቲ ዝረኸበ ፋራዳይ ሞይቱ’ዩ ግን እቲ ርኽበቱ ክሳብ ሕጂ ይጠቅመና’ሎ። እቲ ንብዙሕ ሕማማት ፈውሲ ዝረኸበ ልዊስ ፓስቸር ሞይቱ’ዩ ግን ሕክምናዊ ርኽበታቱ ክሳብ ሕጂ ሰባት የድሕን ኣሎ። እቲ ተኣምራታውያን ስርሓት ስነጥበብ ዝፈጠረ ሊዮናዶ ዳ ቪንቺ ውን ሞይቱ’ዩ ስርሓቱ ግን ክሳብ ሕጂ ልቢ ሰብ ይትንክፍን ደስታ ይፈጥርን ኣሎ። ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን ጥበበኛታትን ንብዙሕ መዋእላት ወላ ይሙቱ ናታቶም ግብርን ዓወታትን ግን ክሳብ ሕጂ ነንብቦን፡ ከምቲ ዝገበርዎ ክንገብር ይድርኸናን እዩ። እወ፡ ቡድሃ ሓሊፉ’ዩ ግን 2500 ዓመታት ድሒሩ ትምህርቱ ጌና ሰባት ይሕግዝ፡ ኣብነቱ ንሰባት ይድርኽ፡ ቃላቱ ድማ ጌና ህይወት ሰባት ይቅይር ኣሎ። ድሕሪ ሞቱ ክንድዚ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ሰብ ቡድሃ’ዩ።

    ሕቶ፥ ቡድሃ ኣምላኽ ድዩ ኔሩ፧

    መልሲ፥ ኣይኮነን። ኣምላኽ እየ ኣይበለን፡ ወዲ ኣምላኽ’የ ኣይበለን፡ ወላውን ካብ ኣምላኽ ዝተላኣኽኩ ነቢ እየ ኣይበለን። ንሱ ገዛእ ርእሱ ፍጽምቲ ዝገበረ ከማና ሰብ’ዩ ኔሩ፡ ናቱ ኣብነት ተኸቲልና ውን ነብስና ክንፍጽማ ንኽእል።

    ሕቶ፥ ቡድሃ ኣምላኽ እንተዘይኔሩ ደኣ ሰለምንታይ ብዙሓት ሰባት የምልኽዎ ኣለው፧

    መልሲ፥ ብዙሕ ዓይነታት ኣምልኾ እዩ ዘሎ። እቲ ቀዳማይ ዓይነት ኣምልኾ፡ ሓደ ሰብ ንሓደ ወይ ንሓንቲ ኣምላኽ ከምልኽ ከሎ፡ ይውድስዎ ወይ ይውድስዋ፡ መስዋእቲ የቅርቡ፡ ትምኒት ልቦም ክፍጸመሎም ይሓቱ እዚ ኩሉ እቲ ኣምላኽ

    Enjoying the preview?
    Page 1 of 1