Sie sind auf Seite 1von 5

ዕለት 05/03/2011 ዓ/ም

ቁፅሪ

ናብ ሰለሞን ግርማይ ህንጻ ስራሕ ተቛርጭ ሃ/ዝ/ው/ማ


መቐለ
ዋኒኑ፡- ብዛዕባ ዝተማሓየሸ ሕጋዊ ውዕሊ ምእሳር ይምልከት፡፡

ኣብ ርእሰ ዋኒኑ ከምዝተሓበረ ዝተመሓየሸ ውዕሊ ወሃብቲ ባና ዓርሰ ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ስ/ማሕበር ምስ ሰሎሞን
ግርማይ ህንጻ ሰራሕ ተቛራጭ ሃ/ዝ/ው/ማ ኣብ ሳይት ሚዘር ዝርከብ ገዛና B-14 ዝተማሓየሸ ውዕሊ ከም ዝኣሰርና
እናፍለጥና ምስዚ 5 ተ ገፅ መሰናይታ ደብዳቤ ክነፍልጥ ንፈቱ፡፡

ምስ ሰላምታ

ቕዳሕ
- ንኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ክልል ትግራይ
- ንዞባ መቐለ ህንፃ ሽም ቤት ፅሕፈት
- ንደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ መቐል 2 ይ ቅረንጫፍ
ዝተማሓየሸ ናይ ኮንትራት ውዕሊ
ኣብ ሞንጎ
ባና ዓርሰ ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ሰ/ማሕበርን
ሰለሞን ግርማይ ህንጻ ሰራሕ ተቛራጭ ሃ/ዝ/ው/ማ
G+1 ዝሓዘ ሓደ ብሎክ ምህናፅ

ሕዳር 2011 ዓ/ም

ዝተመሓየሸ ናይ ስራሕ ውዕሊ


ቅድም ክብል ኣብ ሞንጎ ተዃናታራይ/ኮንትራክተር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ሰሎሞን ግርማይ ህንጻ ሰራሕ ተቛራጭ
ሃ/ዝ/ው/ማ ዓርሰ ሓገዝ ሕ/ስራሕ ማሕበር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ባና ብመቐለ ምምሕዳር ክ/ከተማ ናይ መሬት ምልማዕን
ምሕደራን ማናጅመንትን ሞንገኛነት ስራሕቲ ህንፀት ኣባይቲ ኮንስትራክሽን ሓገዝ ሕ /ስራሕ ማሕበር እንዳተብሃለ ዝፅዋዕ
ዕዳጋ ንምፍፃም ዉሱን ዋጋ ኣውፂኡ ንስራሕ ተዃናታራይ ስራሕቲ ህንፀት ኮንስትራክሽን ንምፍፃም ዝቐረበ ዋጋ ብር
4‚934‚707.69 /ኣርባዕተ ሚልዮንን ትሽዓተ ሚኢትን ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕን ሸውዓተ ሚኢትን ሸውዓተን ምስ 69/100
ብር/ቅቡልገይርና ክልቴና ወገናት ውዕል ውሃብን ውዕል ተቐባልን ብዕለት 26/08/2009 ዓ/ም ውዕል ኣሲርና ህንፀት እቲ
ኮንስትራክሽን ኣብ ምስላጥ ይርከብ፡፡ ይኹን እምበር ናብ ስራሕ ምስኣተወ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዕዳጋ ብዘጋጠመ ናይ
ኮንስትራክሽን መሳለጢ ናውቲ ዋጋ ወሰኽ ንህረት ምኽንያት ህንፀት እቲ ፕሮጀክት በቲ ውዕል ተቐባልን ነቲ ዝጥፍአ ጊዜ
ኣከሓሒስና ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምውዳእ ብወገን ተዃናታራይ ዝተልዓሉ ኣብ ናይ ኮንክሪትን
ፎርምዎርክ ናይ ነፀላ ዋጋ ምስትኽኻል ይገበረለይ ዝብሉ ሕቶታትን ብወገን ውዕል ወሃቢ ኣብ ናይ ስራሕ ፅርየት፣ ናይ
ዝተረፉ ስራሕቲ ጊዜ ሰሌዳ ምክላስን ብኡ መሰረት ምስላጥን፣ በብጊዚኡ ዝቐርቡ ናይ ነፀላ ዋጋ ምስትኽኻል ይገበረለይ
ዝብሉ ውዕሊ ዝላዓሉ ሕቶታት መልክዕ ንምትሓዝን ናይ ኣፈፃፅማ ስርዓት ንምቕማጥን እቲ ዝነበረ ውዕሊ ካብ ክልቲኤና
ወገናት ብዘቕረብናዮ መመሓየሺ ሓሳብ መሰረት ከምዝስዕብ ንክነስተኻኽሎ ተሰማዕሚዕና ኣለና፡፡
መመሓየሺ ስምምዕነት ውዕሊ
1. ውዕሊ ወሃቢ፡- ባና ዓርሰ ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ስ/ማሕበር (Block-14)
ኣድራሻ፡- ከተማ መቐለ ወረዳ -----------------------
ፖ/ሣ/ቁ -------------------------- ስልኪ ቑፅሪ ------------------------------
2. ውዕል ተቐባሊ፡- ሰሎሞን ግርማይ ህንጻ ሃ/ዝ/ው/ማ
ኣድራሻ፡- መቐለ ወረዳ -----------------------
ፖ/ሣ/ቁ -------------------------- ስልኪ ቑፅሪ ------------------------------
3. ብዛዕባ ውዕሊ ምፍርራም
እዚ ውዕሊ ሎሚ --------- ዕለት ሕዳር ወርሒ 2011 ዓ/ም ካብዚ ንድሓር ውዕሊ ወሃቢ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ባና ዓርሰ
ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ስ/ማሕበር ውዕሊ ተቐባሊ እናተብሃለ ብዝፅዋዕ ተዃናታራይ ሰሎሞን ግርማይ ናይ ህንጻ
ሃ/ዝ/ው/ማ ሞንጎ ተፈሪሙ ኣሎ፡፡
4. ዝርዝር ውዕሊ

ብሊዝ ኣዋጅ ቁፅሪ 721/2004 ነዚ ኣዋጅ ንምትግባር ብዝወፀ ናይ ክልል ምምሕዳር ደንቢ ቁፅሪ 76/2005 መምርሒ ዓርሰ ሓገዝ
መንበሪ ኣባይቲ ቁፅሪ 3/2009 ዓ/ም መሰረት ንመንበሪ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቦታ ደረጃ 3 ይ-3 ይ ናይ ቦታ ስፍሓት 1680 ካ/ሜ
ዝኾነ ምስ መቐለ ምምሕዳር ክ/ከተማ ናይ መሬት ምልማዕን ምሕደራን ማናጅመንትን ውዕል ኣሲርና ብሊዝ ዝረኸብናዮ መሬት
ቅድም ኢልና ምስ ተዃናታራይ ስራሕቲ ህንፀት ኮንስትራክሽን ንምፍፃም ብዝቐረበ ዋጋ ብር 4‚934‚707.69 /ኣርባዕተ ሚልዮንን
ትሽዓተ ሚኢትን ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕን ሸውዓተ ሚኢትን ሸውዓተን ምስ 69/100 ብር/ብዝኣሰርናዮ ውዕል መሰረት ህንፀት
20G+1 ዝሓዘ ሓደ ብሎክ ብተዃናታራይ ኣብ ምስላጥ ዝርከብ እንትኸውን ዛጊድ ድማ ናይ መጀመርያ ስላብ ዝምለአሉ ብርኪ
በፂሑ ይርከብ፡፡ በዚ መሰረት እቲ ተሪፉ ዘሎ ብርኪ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት በዚ ዝስዕብ ኣንፈት ኣካይዳ ንክሳለጥ ተሰማዕሚዕና ኣለና፡፡
4.1 ናይ ስራሕቲ ዝርዝር፡- እዚ ውዕሊ ዘጠቓልሎም ስራሕቲ
 ናይ መጀመርያ ስላብ ጥራሕ
4.2 ናይ ውዕሊ ዓይነት፡ - ብዝተሰርሐ ዓቐን እናተለከዐ ዝታሓዝ
 ናይ ግራውንድ 1 ይ ፎቅ ጠቅላላ ናይ ፎርሞርክ ስራሕቲ ዋጋ ንሜትር ካሬ (M2) ብብር 150 ክንኸፍሎም ክልቴና ተወዓዓልቲ
ወገናት ተሰማሚዕና ኣለና፡፡
 ናይ እንተርሚደይት ቪም፣ እስተር ኬይዝ c-25 ኮንክሪት (C-25 concerete work) ስራሕቲ ዋጋ ንሜትር ኩብ (M3) ብብር
1743 ክንኸፍሎም ክልቴና ተወዓዓልቲ ወገናት ተሰማሚዕና ኣለና፡፡
 ናይ ግራውንድ 1 ይ ፎቅ ጠቅላላ ናይ 15cm ስላብ ስራሕቲ ዋጋ ንሜትር ካሬ (M2) ብብር 290 ( ክልተ ሚእትን ተሰዓን )
ክንኸፍሎም ክልቴና ተወዓዓልቲ ወገናት ተሰማሚዕና ኣለና፡፡
 እቲ ናይ መሀደሚ ዝጥቀመሉ ማተርያል ፎርሞርክ ሜታል ፓኔል ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ፡፡
4.3 ናይቲ Advance Payment ን Conditional Performance bond ኣስሪሖም ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
4.4 ኮንትራት ዶክመንት፡- እዚ ውዕል ኣካቲቱ ዝሓዞም ቅጥዒ ውዕሊ ስምምዕነት ብዓርሰ ሓገዝ ሕ /ስራሕ ማሕበር ንስራሕ
ተቛራፂ /ኮንትራክተር/ ዝተፅሓፈ ናይ ይሰርሐለይ መግለፂ ደብዳቤ፤ ናይ ህንፀት ስራሕቲ ዝርዝር መግለፂ /Specification/ ፍሉይ
ኩነታት ውዕሊ፣ ሓፈሻዊ ኩነታት ውዕሊ፣ ውዕሊ ነፀላ ዋጋ፣ ዝርዝር ዓይነትን መጠንን ስራሕቲ ህንፀትን (Bill of
Quantities)መግለፂ ዋጋን፣ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ንድፊ (Drawings)፣ ትልሚ ግዜ ሕድሕድ ስራሕቲ ኾይኑ ልዕሊ ኩሉ
ተፈፃምነቶም ክረጋገፅ ይግባእ፡፡ እቲ ናይ ውዕል ስራሕ ናይቲ ህንፃ ግራውንድ /ቀዳማይ ስላብ/ ስትራክቸር ሰሪሕካ ምርካብ ጥራሕ
እንትኸውን፤ ቐፃሊ ዘሎ ኣብ ውዕል ዘይተካተተ ስራሕቲ ናይቲ ተዃናታራይ ብቕዓት ተራእዩ ዝውሰን ይኸውን፡፡
4.5 ስራሕ ዝጠናቐቐሉ ጊዜ፡-ተዃናታራይ ኩሎም ስራሕቲ ኣብ 4 ወርሒ /120 መዓልቲ/ ኣጠናቒቖም ንከረከቡን ግልፂ ዝተከለሰ
ናይ ስራሕ ጊዜ ስሌዳ ዝገልፅ ንክቕርቡ ። በዚ መሰረት ነንሕድሕዲኦም ስራሕቲ ብዝወፀሎም ጊዜ ሰሌዳ ይሳለጡ ህንፀት እቲ
ፕሮጀክት ኣብ ዝተብሃሎ ጊዜ ተዛዚሙ ርኽክብ ይፍፀም፡፡ እቲ ተዃናታራይ ካፍቲ ዝበሎ መዓልቲ ኣሕሊፉ ናይ ስራሕ ምጉታት
እንተተፈጢሩ ብናይ ኮንስትራክሽን ሕጊ መሰረት /1 % ናይ ኮንትራት ዋጋ/ በብሰሙኑ እናተሰለሐ ካብ ክፍሊት እናተቐፅዐ ዝተረፎ
ስራሕቲ ንከጠናቕቕ ይግበር፡፡
4.6 ናይ ሰራሕ ፅርየት ክትትልን ቁፅፅርን፡-እቲ ተዃናታራይ ብዘሳልጦም ነንሕድሕዲኦም ስራሕቲ ፅርየቶምን ሰለጤኖኦምን
ንምክትታል በቲ ማሕበር ዝተወከለ ሓደ ተቖፃፃሪ በዓል ሞያ ኣብ ሳይት ብቐዋምነት ይህሉ፡፡ ተዃናታራይ ዝኾነ ይኹን ስራሕ
ቅድሚ ምስርሑ እቲ ማሕበር ኣብ ዘዳልዎ ናይ ስራሕ ትእዛዝ መጠየቒ ቅጥዒ ክሰርሖ መደብ ዝሓዘሉ ዓይነት ስራሕ ኣፍቲ ቅጥዒ
ብክልተ ኮፒ መሊኡ ነቲ ተቖፃፃሪ መሃንዲስ ይህብ፡፡ እቲ ተቖፃፃሪ መሃንዲስ ናይ ፎርም ዎርክ ኣቀማምጣ፣ ናይ ቴንዲኖ
ኣተኣሳስራ፣ ናይ ማተርያል ፅርየት (Quality)፣ ንኮንክሪት መብዓጢዝቐረበ ናይ ማይ ፅርየት ወዘተ ዝመሳሰሉ ምስ ፅርየት
ዝተሓሓዙ ቴክኒካል ጉዳያት ተዓዚቡ እቲ ስራሕ ክሳለጥ ከምዝኽእል ኣፍቲ ቅጥዒ ብፊርምኡ ምስ ኣረጋገፀ እቲ ኦርጂናል ቅጥዒ
ንተዃናታራይ እቲ ሓደ ኮፒ ድማ ንባዕሉ ኣትሪፉ እቲ ስራሕ ይሰራሕ፡፡ እቲ ተዃናታራይ ናይ ዝሰርሖ (Payment) ክሓትት እንተሎ
እዞም ቅጥዕታት ኣተሓሒዙ የቕርብ፡፡ እቲ ማሕበር በዚ ከይዲ ንዝሓለፈ ስራሕቲ ጥራሕ ክፍሊት ይፍፀም፡፡ እቲ ተዃናታራይ ካፍቲ
ናይቲ ማሕበር ተወካሊ ተቖፃፃሪ በዓል ሞያ ኣፍልጦ ወፃኢ ንዝሰርሖም ስራሕቲ ንዝፍጠሩ ኪሳራታት ባዕሉ ሓላፍነት ይወስድ፡፡
ማሕበር ተወካሊ ተቖፃፃሪ በዓል ሞያ ኣፍልጦ ወፃኢ ንዝሰርሖም ስራሕቲ ንዝፍጠሩ ኪሳራታት ባዕሉ ሓላፍነት ይወስድ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ተዃናታራይ ናይ ኮንስትራክሽን መሳለጢ ማተርያል እንትዕድግ /ዓዲጉ ኣብ ሳይት እንተራግፍ ዝኾነ ይኹን
ማተርያል ቅድሚ ናብ ስራሕ ምውዓሉ በቲ ተቖፃፃሪ መሃንዲስ/ከም ኣድላይነቱ እቲ ናይታ ማሕበር ኮሚቴ ብዝተረኸበሉ እቲ
ማተርያል ኢንስፔክሽን ንክካየደሉ ይግበር፡፡

4.7 ምስቲ ማሕበር ዝህሉ ሜላ ርክብ፡-


 ምስ ሱፐርቫይዘር፡- ኣብ ሳይት በቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ መሰረትን ብኣካል ብዝግበር ቴክኒካል ሞያዊ ሓገዝ ይኸውን፤ ካብዚ
ወፃኢ ዝኾነ በቲ ተዃናታራይ ዝላዓል ሓሳብ እንተሃልዩ እቲ ርክብ ኩሉ ጊዜ ፕሮቶኮሉ ብዝሓለወ ደብዳቤ ይኸውን፡፡
 ምስ ኣቦወንበር፡- እቲ ተዃናታራይ ብቀጥታ ምስቲ ናይታ ማሕበር ኣቦወንበር ተራኺቡ ዝኾነ ሓሳብ እንተሃሊይዎ
ፕሮቶኮሉ ብዝሓለወ ደብዳቤ ከቕርብ ይኽእል፡፡
 ምስ ኮሚቴ፡- እቲ ተኻናታራይ እቲ ናይታ ማሕበር ኮሚቴ ኩሉ ጊዜ ኣብ ውሳነ ዘድልዮም ዛዕባታት ብዋናነት ዝሳተፍ
ኣካል ስለዝኾነብኣካል ናብ ሳይት ዑደት ኣብ ዝገብርሉ እቲ ኮሚቴ እኹል ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ስራሕ ካብ ተወካሊኡ
ተቖፃፃሪ በዓል ሞያን ተዃናታራይን ክረክብ ይግባእ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ንዘሎ ንነሕድሕዲኡ ኣባል እታ ማሕበር ብርኪ እቲ
ፕሮጀክት ኣበይ ከምዝበፅሐ ናይ ምሕባርን ምርዳእን ስራሕ ግን ናይቲ ማሕበር ኣቦወንበር ሓላፍነት ይኸውን፡፡
5. ብዛዕባ ውዕሊ ዘመን
እዚ ውዕሊ ካብ ሎሚ …… ዕለት ሕዳር ወርሒ 2011 ዓ/ም ክሳብ ……………………. ዓ/ም ዝፀንዐ ይኸውን፡፡
6. አከፋፈላ ዝምልከት፣ ኣፋላላይ ናይ ብረት ፍርቂ ስላብ ቅድሚ ምምልኡ ይክፍሎ፣ ከም’ውን ናይ ቀፂሉ ዘሎ ፍርቂ
ስላብ ቅድሚ ምምልኡ ናይ ብረት ኣፋላላይ ይክፍሎ።
ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ወድአ ድማ ፐይመት ይክፈል፣
7. ውዕሊ ብዛዕባ ምፅዳቕ
እዚ ውዕሊ ተቐባልን ውዕሊ ወሃብን ካብዚ ብላዕሊ ብዝርዝር ዝተፅሓፉ ናይ ውዕሊ ስምምዕነት ኣንቢቦምን ተስማዕሚዖምን
ብፊርሞኦም ኣፅዲቖም ብክልተ ኮፒ ብምድላው ሓደ ኮፒ ንውዕሊ ተቐባሊ፣ ሓደ ኮፒ ንውዕሊ ወሃቢ ማህደር ውሽጢ
ተታሓሒዙ ይቕመጥ፡፡
ክንዲ ሓገዝ ስራሕ ሕ/ማሕበር ክንዲ ስራሕ ተዃናታራይ
ሽም -------------------------- ሽም-------------------------
ሓላፍነት ---------------------------- ሓላፍነት-------------------
ፊርማ ------------------------- ፊርማ ------------------------
መሰኻኽር
1. ሽም ------------------------------------ ፊርማ--------------------------------- ዕለት -----------------
2. ሽም ------------------------------------ ፊርማ-------------------------------------ዕለት-----------------
3. ሽም ------------------------------------ ፊርማ-------------------------------------ዕለት-----------------
4. ሽም ------------------------------------ ፊርማ-------------------------------------ዕለት-----------------

Das könnte Ihnen auch gefallen